መግለፂ ባህሊ ፣ ክብርን መንነትን ተጋሩ ዝኮነ በዓል ኣሽንዳ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ንምብዓል ምድላዋት ይገብሩ ምህላዎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮሎራዶ ዝነብሩ ተጋሩ ኣፍሊጦም።
ፌስቲቫል ኣሽንዳ እዚ ዓመት ብፍቅሪ ፣ ሓድነት ኮታስ ባህሊ ተጋሩ ብዘጉልሁ መርሃ ግብርታት ከም ዝበዓል ፤ ኣብ ኮሎራዶ ዝነብሩ ተጋሩ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ዝለኣኩዎ ሓበሬታ የመልክት ።
እቲ ካብ 23 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም 2025 ኣ.ኣውሮፖ ኣብ ኮሎራዶ ዝሳለጥ ፌስቲቫል ኣሽንዳ ፤ ንምርኢት ኣሽንዳ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከም ዝህልው እውን ንምፍላጥ ተካኢሉ ኣሎ።



