ሎሚ ምሸት ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ከተማ ሊቨን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ሃውትስ ዴ ፍራንስ ፓስ ዴ ካላየስ (Hauts-de-France Pas-de-Calais) ብ3 ሽሕ ደቂ ኣነስትዮ ትግራወይቲ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ተዓዊታ።
ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ነቲ ርሕቐት ንምሽፋን 8 ደቒቓ 19 ሰከንድ 98 ማይክሮሰከንድ ዝወሰደላ ኮይኑ፤ እቲ ስዓት ድማ ኣብ ናይ 3 ሽሕ ናይዚ ዓመት ዝቐልጠፈ ስዓት ብምዃን ቕድሚ መዓልትታት ሒዛቶ ዝነበረት ስዓት ኣመሓይሻቶ እያ።
ናይቲ ቦታ ዝቐልጠፈ ስዓት ዘለዋ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ካልአይቲ ኢሉ’ውን ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ሳልሰይቲ ብምውፃእ ሰለስቲኡ ደረጃ ብተጋሩ ኣትሌታት ተታሒዙ እዩ።
ዋዕሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብቲ ውድድር ነቲ ርሕቀት 8:25.37 ብምእታው ሳልሳይ ብርኪ ብምሓዝ እንትዕወት ዘመዝገበቶ ሰዓት ድማ ሓደሽ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ክብረወሰን ዓለም ብምካን ተመዚግቡላ ኣሎ !
ብምቕፃል ለይቲ ስዓት 6:05 ተጋሩ ኣትሌታት ሓጎስ ገ/ህይወትን ቢኒያም መሓሪን ብ3 ሽሕ ደቂ ተባዓትዮ ክወዳደሩ እዮም።
# ዮናስ ፍቓዱ