“ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር እዩ” ምክትል ፕረዝደንት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ

ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ክግበር እዩ እንትንብል ብሰላማዊ መነገዲ እንተዘይተፈቲሑ ክብርን ልኡላውነትን ትግራይ ተደፊሩን ተወሪሩን ክተርፍ እዩ ማለት ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ ክብል ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊፁ። ኣብዚ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታ ዝተሳለጠ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም መልእኽቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘስምዑ ምክትል ፕረዝደንት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዝተፈናቀለን ዝተሰደደን ህዝብና ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ሓሳር መከራ ከየሕልፍ ከም ግዚያዊ ምምሕዳር ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ከምዝገብር ሓቢሩ።

እዚ ፃዕሪ ወድዓዊ ዕንቅፋት ዝገጠሞ እንተኾይኑ ድማ ብግልፂ ህዝብና ክፈልጦ ብምግባር ኣብ መዕቖቢ ጣብያታት ዘሎ ህዝብና ንዝኸፍአ ፀገም ከይቃላዕ ዝክኣል ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ። ኣይተ ኣማኑኤል ደጊሞም ከምዝገለፅዎ ኩሎም ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምርግጋፅ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ከምዝግበር ሓቢሮም እዮም። “ክግበር እዩ” እንትንብል ብሰላማዊ መነገዲ እንተዘይተፈቲሑ ክብርን ልኡላውነትን ትግራይ ተደፊሩን ተወሪሩን ክተርፍ እዩ ማለት ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ቀዳማይ ዕማም ክኾን ከምዝግባእ ገሊፁ። ምክትል ስራሕ መካየዲ ፅላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ሙዑዝ ሃይለ ከምዝገለፆ ተመዛበልቲ ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ከይሕልፎ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ምምላስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን ቀዳማይ ስርሖም ክኸዉን ኣለዎ ኢሎም።

“ተከዘ ዘብን” ካልኦትን ስማስም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ሽርሒ ኣካል ፅንተት ትግራይን ተጋሩን ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባር ብህፁፅ ጠጠዉ ክብልን ክዕረን ነዚ ድማ ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝኣታዊ መሬት ትግራይን ተመዛበልቲን ክምለሱ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ ክረምቲ ከይኣተወ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ፌደራል መንግስቲ፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ኣካላትን ቀዳማይ ስርሖም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ክኸዉን ኣለዎ ኢሎም።

እዚ መልእኽቲ ንማሕበረሰብ ዓለምን ንዝምልከቶ ኣካልን ንምስማዕ ኣብ ዝተገበረ ሰለማዊ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ትካላት ሃይማኖት ትግራይን ከምኡ እዉን ኣብ ወፃእ ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራንን ንዝገበርዎ ተሳትፎ ኣመስጊኖም