ዝርገሐ ኤችኣይቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበሮ ዝርግሐ ብዕፅፊ ብምውሳኹ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ፃውዒት ቀሪቡ።
እዚ ፃውዒት ዝቐረበ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምኽንያት ንመበል 37 ግዘ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ኤችኣይቪ ኤድስ ኣብ ዝሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።
እዚ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ዝርገሐ ኤች ኣይቪ ኤድስ ከም ለበዳ ብምውሳድ ህዝብና ክጥንቀቅ ከም ዘለዎ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ገሊፆም።
እቶም ሓላፊ ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝተመረፁ 20 ገጠራትን 10 ከተማታትን ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ካብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበረ 1.43 ሚኢታዊ ዝርገሐ ኤችኣቪ ኤድስ እዩ ነይሩ። ሕዚ ዛጊድ ካብ ዝተመርመሩ ሰባት ብዝተወሰደ መፅናዕቲ ካብቲ ሕሉፍ ብንፅፅር ዓብዪ ወሰኽ ከም ዘርአየ ዶ/ር ኣማኒኤል የረድኡ።
★ ዓመታዊ ጽምብል ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ኣክሱም ብዝለዓለ ጽምብል ንምኽባር ምድላዋት ተወጊኑ ኣጋይሽ ናብታ ታሪካዊት ከተማ ምእታው ምጅማሮም ተሓቢሩ።
ኣብ ጽምብል ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ንቕርስታት ኣክሱም ክጉብንዩ ካብ ዝመጽኡ በጽሓቲ ዓዲ ልዕሊ 3 ሚሊዮን ቅርሺ ንምርካብ ከም ዝተተለመ እውን ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣክሱም ሓቢሩ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣክሱም ኣይተ ገብረ መድህን ፍፁምብርሃን ከም ዝበሉዎ ፣ዓመታዊ ጽምብል ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ማርያም ኣክሱም ብዝለዓለ ጽምብል ንምኽባር ምድላዋት ተወጊኑ ኣጋይሽ ናብታ ታሪካዊት ከተማ ምእታው ምጅማሮም ሓቢሮም።
★ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ናይ” ውሳነ ወሃብቲ ማእኸላት “ዩኩረይን ሓዱሽ መጥቃዕቲ ሚሳይል ክትፍጽም ከምትኽእል ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ፑቲን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ መፈልፈሊ ማእኸላት ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይልን ድሮናትን ግብረመልሲ ናይቲ ዩኩረይን ሚሳይል ዓባይ ብሪታንያን ኣመሪካን ተጠቒማ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ”ናይ ውሳነ ማእኸላት”ኪቭ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ባላስቲክ ሚሳይል ክፍፀም ከምዝኽእል ኣመላኺቶም።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ መፈልፈሊ ዩኩረይን ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ፣ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዩኩሬናውያን ግልጋሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቋረጾም ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ፕረዚደንት ዩኩረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ነቲ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ መፈልፈሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ነቲ ኲናት ዘጋድድ” ክብሉ ገሊጾምዎ።
★ ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዓመት ህፃናትን ኣባጽሕን ማሕበራዊ ሚድያ ከይጥቀሙ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቓ።
እዚ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝጸደቐ ሕጊ ፣ኣብ ናይ ቴክኖሎጂ ዝተዋፈራ ኩባንያታት ክመጸን ካብ ዝኽእል ተሓታትነት ንምድሓን ስጡም ናይ ድሕንነት ስራሕ ክሰርሓ ዘመላኸተ ሕጊ ኮይኑ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ብዙሕ ክርክር ክግበረሉ ዝፀንሐ እዚ ሕጊ ፣ብቤት ምኽሪ እታ ሃገር ሕጊ ኮይኑ ድሕሪ ምጽዳቑ ፤ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ትሕቲ 16 ዓመት ህፃናትን ኣባፅሕን ነቲ ግልጋሎት ከይረኽቡ ክሰርሑ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ ።
እዚ ምስ ዘይገብሩ 32 ዶላር ኣመሪካ ቕጽዓት ከምዝጽበዮም ሲኤን ኤን ጸብጺቡ።
እቲ እግድ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ፣ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ዝርከብዎም ማሕበራዊ ሚድያታት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
★ ሶማልን ቱርኪየን፣ ኣብ ወትሃደራዊን ጸጥታውን መደባይ ክተሓጋገዛ ዘኽእለን ተወሳኺ ስምምዕ ከቲመን።
እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማል፣ ኣብ ምድህሳስ ነዳዲን ጋዝን እትዋፈር መርከብ ስርሓ ብወግዒ ንምጅማር ክልቲኦም መንግስታት ናይ መወዳእታ ክታሞም ኣብ ዘንበርሉ‘ዩ።
እታ መርከብ፣ 5000 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣብ ዝሽፍን ስፍሓይ ክሊማይ ሶማል፣ ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ዳህሳስ ነዳዲን ጋዝን ከተካይድ‘ያ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ቱርኪየ፣ ጎኒ ጎኒ‘ቲ ኣብ ሶማል እተካይዶ ዘላ ኣብ ዳህሳስ ነዳዲን ጋዝን ዘተኮረ ወፍሪ፣ ንሶማል ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ክትደጋገፋን፣ ካልእ ወትሃደራዊ ሓገዛት ከተበርክተላን‘ያ።

All reactions:
119119