ባህግታት ትግራይ ንምግሃድ ግደ መንእሰይ ዝለዓለ ብምዃኑ ኩለ መዳይ ዓቕምን ተጠቃምነትን ንምርግጋፅ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ገሊፁ ።
እዚ ዝተገለፀ ግደ ምሁራን አብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝመፁ መናእሰይን ምሁራን ኣብ ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ እዩ ።
ብዋናነት መንእሰይ ፡ ፓለቲካዊ ማሕበራውን ቁጠባውን ተሳትፍኡ ከሐይል ከምዝግባእ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ነዚ ድማ ጥጡሕ በይታ ንምፍጣር ብዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኢና ኢሎም ።
ዛጊድ መንግስትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንመናእሰይ ፍሉይ ትኹረት ተዊሂቡሉ ብዘይምስርሑ ፎቖዶ ስደትን ኣብ ዘይተደለየ ቦታን ግዚኡ የባኽን ኣሎ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ፡ መናእሰይ ንመንእሰይ ዝሙቹ ስርዓትን ኣሰራርሓን ይጠልብ ኢሎም ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ተሳተፍቲ ብፍላይ ምሁራን ትግራይ ፀገማት ትግራይን ህዝባን ኣብ ምቅላል እንታይ እጃም ኣወፍዮም? ኣብ ህንፀት መናእሰይ ኸ እንታይ ግደ ኣበርኪቶም? ስደት ከመይ ነቃልሎን ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ሓሳብን ሪኢተኦምን ኣቕሪቦም ኣለው ።
# ኣለም ባርያጋብር