ትእምትን ትካላቱን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ወፂአን ኣብ ሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን ማእኸል ክገብራ

ትእምትን ትካላቱን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ወፂአን ኣብቲ ዝጀመርኦ ሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን ማእኸል ገይረን ብምስራሕ ሕውየትን ስግግርን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ብትኹረት ክሰርሓ ከምዝግባእ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትእምት ኣይተ በየነ ምክሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ በየነ ምክሩ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ 23 ጥሪ 2017 ዓ/ም ማኔጅመንት ማእኸል ኢንቨስትመንት ትእምትን ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ኩባንያታትን ኣብ ዝተሳተፍሉን ብሓባር ኣብ ዝገምገምሉን መድረኽ እዩ።

ትካላት ትእምት ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጦብለቕለቕ ወፂአን ናይ ቢዝነስ ስራሕተን ጥራሕ ክሰርሓ ቅድሚ ወርሒ ዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ይሰርሓ ምህላወንን ብቐፃልነት እውን ዝያዳ ነዚ ኣንፈት ተኸቲለን ክሰርሓ ከምዝግባእን ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ።

ኣስዒቦም ኣይተ በየነ፣ ሕውየትን ዕብየትን ትእምትን ትካላቱን ንምርግጋፅ ዝተነደፈ ኣንፈት ኣጥብቒና ብምሓዝን መላእ ሰራሕተኛታት እተን ትካላት ብምልዕዓልን ኣቢልካ፣ ሕውየት እተን ትካላት ጥራሕ ዘይኮነስ ሕውየትን ዕብየትን ክልልና ንምርግጋፅ ብልዑል ዲስፕሊን ክንሰርሕ ይግባእ ምባሎም እቲ ትካል ሓቢሩ ።