ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረከበ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ 14 ወረዳታት ትግራይ ኣብ 266 ኣብያተ ትምህርቲ 84 ትካላት ጥዕና 844 ትካላት ማይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክስራሕ እዩ ።

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረከበ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ 14 ወረዳታት ትግራይ ኣብ 266 ኣብያተ ትምህርቲ 84 ትካላት ጥዕና 844 ትካላት ማይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክስራሕ እዩ ።እዚ ዝተገለፀ ሎሚ ኣብ ከተማ ውቅሮ ኣብ ምጅማር ብባንኪ ዓለም ዝፀደቁ ፕሮጀክታት ሕውየት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምክክር እዩ ።ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረከበ 3 ነጥቢ 52 ቢልየን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ 14 ወረዳታት ማለት እውን ወጅራት፣ ሰሓርቲ፣ ሓሓይለ፣ ዓዴት፣ጉለመከዳ፣ብዘት፣ እገላ፣ፅምብላ፣ እምባስነይቲ፣ ዛና፣ ማእከል ኣድያቦ፣ ራያ ዓዘቦ፣ ነቅሰገን ኣላጀን (በራ ሰለዋ ዘካተተ) ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ንምክያድ መድረክ ዕላውነት ምስ ናይ ክልልን ወረዳን ኣመራርሓ እናተሳለጠ ይርከብ ።ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኢንጅነር ቴድሮስ ገ/እግዚኣብሄር ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ኩናት ፅንተት ስዒቡ ዝበፅሐ ዕንወትን በሰላን ከቢድን ኣብ ኩሉ ከበባቢ ትግራይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየት ምስራሕ የድሊ ድሕሪ ምባሎም ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረከበ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ 14 ወረዳታት ትግራይ ኣብ 266 ኣብየተ ትምህርቲ 84ትካላት ጥዕና 844 ትካላት ማይ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ክስራሕ እዩ ክብሉ ሓቢሮም ።

# ንግስቲ ክንፈ