ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ ፡ መበል 50 ዓመት ወርቅ ኢዮቤልዩ ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሓወልቲ ስማእታት ፓነል ምይይጥ ይካየድ ኣሎ።
መበል 50 ዓመት ወርቅ ኢዮቤልዩ ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ በረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት ብሔራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ብሄራዊ ረብሓታትና ንምርግጋፅ ዘኽእል ኣብ ሓቂ፣ ሕጊን ትካላዊ ኣሰራርሓ ተደሪኽና ቃልስና ከነሕይል ይግባእ ኢሎም ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ።
11ለካቲት ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን ኢልና ኢና ንፅውዖ ፡ 11 ላካቲት ካብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነፂልካ ዝረኣ ኣይኮነን ብምባል ንነጺልካ ምርኣይ ጉቡኡ ከምዘይኮነ ገሊፆም ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ።
ክብርታትን ትውፊታትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ሃገራዊ ክብሪታትን ኩርዓትን ኮይኖም ይቕፅሉ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም ።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝለዓለ ስልጣነ ቁልቁል ወሪዱ ኣብ ትሕቲ ብሄራዊን ደርባዊን ወፅዓ ወዲቑ ንኣስታት ሓደ ክፍለ ዘበን ኣደዳ ዱንቁርናን ድሕረት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ኢሎም ።
ኣብ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ብዝወልዖ ፋና ሓርነት ብመሪሕ ውዱብ ህወሓት እናተመርሐ ን17 ዓመታት መሪር በረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ ብዓወት መሰስ ኢሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራት ብሕልፊ መስዋእቲ ሕልፊ ረብሓ ይኹን ካሕሳ እንተይሓተተ ብሄራውን ደርባውን ስርዓት ዝቐንጠጠ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሃኒፁ ንኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ኣርዑት ባርነት ክናገፉ ዝለዓለ ብፂሒት ተፃዊቱ እዩ ክብሉ ድማ ኣገንዚቦም።
ህዝቢ ትግራይ ንድርጊ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኩሎም መሳርሒ ደርባዊ ወፅዓን ፣ ዱንቁርናን ድሕረትን ስዒሩ እዩ ድማ ኢሎም ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ።
ህዝቢ ትግራይ ዝጀመሮ ናይ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራሲን መንገዲ ተኾሊፉ ኣብ ክንዲ ሞሳ ኣብ 21 ክፍለ ዘበን ክፍጸም እዩ ኢልካ ዘይትግምቶ ገበናት ፅንተት ተፈጺሞዎ ክብሉ ኣይተ ኣማኑኤል ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ሓዱነቱን ውሑሉል ዓቕምታቱ ብምውህ- ሃድን እቲ መኸተ ናብ ሰላማዊ ቃልሲ እትዮዎ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ፅንተታዊ ኩናት ደው ዘበለ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ግዝያዊ ሩፍታ ዝተሓፀረ ኣይነበረን ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ውሑስ ሰላም ንምርግጋፅ ፣ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ሕገ መንግስታዊ ባይታ ንምምላስ ዘኽእል ግዝኣት ትግራይ ምርግጋፅ፣ ሓራ ዘይወፅኣ ህዝቢ ሓራ ክወፅእ፣ ዕጡቓትሓይልታት ምውፃእ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ምምላስን ዳግመ ህንጸትን ትግራይ ክጅመሩ እናተገባኦም ኣይተተግበሩን ክብሉ ገሊፆም።
ህልውና ሰራዊት ትግራን ውድብ ህወሓት ኣብ ሓደጋ ዝእትው ስፋሕቲ ምንቅስቓሳት ይርኣዩ ኣለዎ ድማ ኢሎም ።
ውሽጣዊ ፀጋማትናን ቅንዕና ዝጎደሎ ኣካይዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓን ሓድነት ትግራይ ይጎድእ ኣሎ ክብሉ ኣይተ ኣማኑኤል ተዛሪቦም ።
ኣይተ ኣማኑኤል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተኸተሙ ስምምዕ ክፍፅም ድማ ፃዊዒት ኣቕሪቦም።
መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ህወሓት ምጅማር ዝተወደበ በረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህውሓት 11 ” 50 ዓመት ኣብ ቃልሲ፣ፅንዓትን ዓወትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፓነል ምይይጥ ጉዕዞ 50 ዓመት ቃልሲ ፣ፅንዓትን ዓወትን ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን፣ ጉዕዞ ሰላምን ልምዓትን ህንፀት ሰላምን ፣ ክብሪታት ህወሓትን ዝተወድበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን፣ ባህግን ሕድርን ሃርበኛታት ስውኣት ዝብሉ ኣርባዕተ ፅሑፋት እናተዘተየሎም ይርከብ።
# ፈይሰል ሙስጦፋ