ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ 40 ሚኢታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት እዩ ዘሎ ኢሎም

40 ሚኢታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት እዩ ዘሎ፤ ስለዚ ናይዚ መድረኽ ልኡኽና ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን ዝተመዛበሉ ወገናትና ናብ መረበቶም ምምላስን እዩ ክብሉ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝበሉ ንኣምባሳዶር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ጄነስ ሃኒፈልድ ሎሚ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዛረብሉ እዩ።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ዳርጋ 40 ሚኢታዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እዞም ግዝኣት ትግራይ ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ዘለው ካብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገር ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ፌደራል መንግስቲ ከውፅኦም ከምዝግባእ ንኣምባሳዶር ጄነስ ሃኒፈልድ ከምዝገለፅሎም እውን እቲ ሓበሬታ የመላኽት ።

ኣተሓሕዞም ተመዛበልቲ ኣብ ምምላስ ይኹን ግዝኣት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ጦርነት ዝነበሮ ኩነታት ኣብ ምምላስ ናይ ፌደራል ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቋም፣ ኣብ ትግራይ እውን እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ዛዕባ ናይ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናይ ምርግጋፅን ምዃኑ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ከምዝገለፅዎ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስቲ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምፃእ ፅቡቕ ምቅርራብ ኣብ ምፍጣር ዝሐሸ እዩ።

ቅድም ክብል ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣብ ፀለምቲ ዝተገበረ ሙኮራ ብሰንኪ ናይ ፀፅታ ኩነታት ዘይምፅራይ ዳግማይ ክመዛበሉን ድሕንነቶም ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ከምዝኸኣለ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ኣብ ንምግላፁ ዝኸብድ ህይወት ክነብሩ ዝተገደዱ ወገናትና ቅድሚ ክረምቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ብዝተኽኣለ መጠን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምርድዳእ ስራሕ ክጅመር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ንምስንባት፣ እግሪ ምትካልን ዕጥቂ ንምፍታሕን ዝተታሕዘ ትልሚ 75 ሺሕ ኮይኑ፣ ክሳብ ቀፃሊ መስከረም ከምዝዛዘም ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት፣ካልኣይ ዙር ድማ ምስ ምውሓስ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይን ተመዛበልቲ ወገናትና ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መረበቶም ምምላስን ጎናጎኒ ከምዝፍፀም ኣረዲኦም።

ጀርመን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና ወዘተ ዝነኣድ ሓገዝ እናገበረት ምፅንሓ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ብቐፃሊ’ውን ትግራይ ንምሕጋዝ እትገብሮ ምንቅስቃስ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ፀዊዖም።

ኣምባሳዶር ጄነስ ሃኒፈልድ ብወገኖም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ ንምፍታሕ ሒዝዎ ዘሎ ትልሚ ብምንኣድ፤ ጀርመን ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅን ዝተፈላልዩ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ኣብ ምጥንኻርን ዝተጀመረ ሓገዝ ከምተቐፅል ገሊፆም። እቶም ኣምባሳዶር ከምዝገለፅዎ ንትግራይ ተስፋ ኣብ ዝህብን ምዕባለ ትግራይ ኣብ ዘረጋግፅን ስራሕቲ ብቐረባ ተሓጋጊኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ ።