ሃንዳሲ ጥዕና ዓለም ኣብ ትሕቲ ዝብል “መፅሄት ታይም” ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝነጥፉ ብሉፃት 100 ሰባት ምዃኖም ዕላዊ ገይሩ ።
ብመፅሄት ታይም ካብ ዝተሓረዩ 100 ሰብ ሞያ ጥዕና ዓለምና ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ” እዚ ውፅኢት ናይ ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕናን መሳርሕተይን ጥዕና ንኹሉ ንዝብል ሞያዊ ስነምግባርን ተግባርን ኣፍልጦ ብምሃብ ዓለማዊ ምትሕብባር ዘጉልሕ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዘመስግን ” ክብሉ ገሉፆም ኣለው ።
ቀንዲ ዕማም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብዛ ዘይርግፁነት ዘለዋ ዓለም ስጂ ንዘይህቡ ጥዕናዊ ሓደጋታት፣ ቫይረሳትን ኢ-ተገማቲ መበገሲታቶምን ሓላፍነት ወሲዱ ንፍትሖም ዝጓየ ትጉህ ሰብ እዩ ትብል ጋዜጠኛ መፅሄት ታይም ኣሊሴ ፓርክ ኣሊሴ ፓርክ።.
ሓደ እዋን ዶክተር ቴድሮስ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ካብ ቤት ፅሕፈቶም ተበጊሶም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ሃገረ ታንዛንያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ንውድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ድጋፍ ደው ከምእተብል ቅፅበታዊ ትእዛዝ እንተመሓላልፉ ዶክተር ቴድሮስ ብዜና እናተኸታተሉ ከምዝተገረሙ ይገልፁ።
ብፅባሒቱ ድማ “ማርበርግ” ብዛዕባ ዝተባህለ ዓሌት ኢቦላ ዝኾነ ቫይረስ ምስ ዓለማዊ ኤጀንስታት ጥዕና ንምዝታይ ኣብ ዝተተሓዘ መደብ፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዘይምርካቦም እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝኣዘዝዎ መምርሒ ግብራዊ ይኾን ምህላዉ ፈለጡ።
ኣብቲ እዋን ዶክተር ቴድሮስ ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈቶም ንመፅሄት ታይም ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት፡ እቲ ንትካሎም ብኣሜሪካ ዝቐረበ ክስታት መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትህቦ ዝነበረት ዓመታዊ ኣስታት 1.3 ቢልዮን ዶላር ደው ምባላ ስዒቡ ትካል ኣብ ሓደጋ ስለዝወድቕ ንቤት ፅሕፈታዊ ወፃእታቶም ብ 25 ሚእታዊ ክንክዩ ከምዝተገደዱ ገለፁ።
ከም ውፅኢት እቲ ምንካይ ወፃእታት ድማ ኣብ ምቁፅፃር ሕማም “በርድ ፍሉ”ን ካልኦት ቫይረሳትን ከምኡ ‘ውን ክታበትን ምግብናን ህፃናት ኮታስ ኣብ ዓለማዊ ጥዕናዊ ትግባረታት ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕደረ።
ብፍላይ ኣሜሪካ ብትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ኣቢላ ተካይዶ ድጋፋት ደው ምባሉ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ መናውሒ ዕድመ ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ከቢድ ፅዕቶ ከምዘሕደረን ዶክተር ቴድሮስ ኮኑ ትካሎም ኣብ ፈተና ከምዝ ኣተዉን ይገልፁ።
ዶክተር ቴድሮስ ግን በዚ መሕለኻታት ከይተሰኮኑ፤ እኳ ዳኣስ ኣብ ምሕንፃፅ ሓደሽቲ መዋፅኦታት ትኹረት ገበሩ።
ዋላ ኣሜሪካ ገንዘባ ኣብ ዝደለየቶ ክተውዕሎ መሰላ እንተኾነ ሃንደበት ምዃኑ ስርዓት ጥዕና ዓለም ሃደሽደሽ ክብል ገይሩዎ እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፤ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ንኽትወፅእ ናይ 6 ወርሒ ወይ ሓደ ዓመት ቅድመ መጠንቀቕታ ክትህብ ዝግባእ ዋላ እንተኾነ ከምኡ ብዘይምዃኑ ብቕልጡፍ ናብ ኣለሻ መፍትሕታት ምእታዎም እዩ ዝገልፁ።
ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣይሕግዝን ምባላ ዓለም ክንደየናይ ተኸፋፊላ ተቓላዒት ሕማማት ምዃና መርኣዪ እዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ትካሎም ዋላኳ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም እንተሃለወ ኣብ እዋን ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝነበረ ኩነታት ኣይዳረግን ክብሉ ይገልፁ።
ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስ ኮሮና ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ትካል ህፁፅ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ድኽመት ነይሩዎ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ፤ ኣብ ቻይና ዝተበገሰ ኮቪድ-19 ትካሎም ገለልተኛ ኮይኑ ኣየፅነዐን ንዝብል ወቐሳታት ብምእማን፤ ይኹን እምበር ጉዳይ ልኡላውነት ሃገር ስለ ዝኾነ ንፕሬዝዳንት ቻይና ኣእሚኖም ናብታ ሃገር ልኡኽ ክሰዱ ብዙሕ ከምዝፀዓሩን ብኣካል ብምኻድ እውን እሺ ከምዘበሉዎምን ገሊፆም።
ዶክተር ቴድሮስ ንኮቪድ-19 ሓዊሱ ብቐፃልነት ዓለም ከጋጥሙዋ ብዛዕባ ዝኽእሉ ሕማማት ንምቁፅፃር ዘኽእል እማመ ብምቕራፅ፡ ንዝሓለፉ 3 ዓመታት ብዘይካ ኣሜሪካ ኣባላት ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝኾና 194 ሃገራት ክመያየጣሉ ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ስምምዕ ክብፀሐሉ ገይሮም እዮም።
እዚ ድማ ትካሎም ካብ ሕሉፍ ስሕተታቱ ተማሂሩ ናይ ቀፃሊ ቅድመ ድሉውነቱ ዘረጋግፅ ምዃኑ ዝመስከረ እዩ።
ዶክተር ቴድሮስ ፈላማይ ኣፍሪካዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም እዮም።
ይኹን እምበር ብሕማም፣ ዂናትን ካልኦት ፅገማትን ሰን ሰን ካብ ዝበለ ማሕበረሰብ ምፍጣሮምን፤ ሓደ እዋን ንእሽተን ሓዎም ዝነበረ ብቐሊሉ ምክልኻል ብዝከኣል ሕማም ንፍዮ ምሟቱን፡ ኣብ እዋን ንእስነቶም ኣብ ከባቢኦም ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ወላዲቶም ካብ ተቶኮስቲ ክተድሕኖም ትርኣስ ደራሪባ ተፅልለሎም ምንባራን ዘኪሮም የዘንትዉ።
እዞም ፀገማት ምርኣዮም ንዓለም ኣለኒ ዝብሉዎ መፍትሕታት ከቐምጡ ከምዝሓገዞም እዩ ድማ ንመፅሄት ታይም ዝገልፁ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ባዮሎጂ /ስነ ሂወት/ ከምዘፅንዑን፣ ካብ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም ብዝረኸቡዎ ዕድል ነፃ ትምህርቲ /ስኮላርሺፕ/ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ ብማስተርስ ከምዝተመሃሩን ብምግላፅ፤ እቲ ሓደ እዋን ነፃ ዕድል ትምህርቲ ዝሃቦም ትካል ብላዕለዋይነት ክመርሑ ሓሲቦምዎ ከምዘይፈልጡ ይዛረቡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ዓሶ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ዝፍለጡ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቶም እውን ኣብ ዝረኽቡዋ ሰዓት ምስ ስድረኦም ብምዃን ኣብ ኣድላይነት ክታበት መልእኽትታት ከምዘሕልፉ፡ ዋላ ‘ውን ምስ ውፃኣት ዝሓመመ ሰብ ይኹን ምስ መራሕቲ ሃገራት ብውልቀ ንምርኻብ ዘይፅገሙን ንጡፍ ተሳታፊ ማሕበራዊ ሚድያ ምዃኖምን ንመፅሄት ታይም ተዛሪቦም።
ብፍላይ ኣብ ቆፀሮ ልዕሊ 30 ደቒቓ ቀዲሞም ዝርከቡን ኣብ ክንዲ ምስ ጋዜጠኛታት መግለፂ ኣብ ምሃብ ክውዕሉ ቢሮኦም ክፉት ብምግባር ሰባት ብነፃነት ሓሳባትን መአረምታታትን ክህቡ በሮም ብምኽፋት ካልኦት መሳርሕቶም እውን ከምኡ ክገብሩ ብምምዓድ ዝልለዩ መራሒ ምዃኖም መሳርሕቶም ይምስክሩሎም።
ንኻልኣይ ግዜ ተመሪፆም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ዝመርሑ ዘለዉ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዓለም ካብ ዝገጥሙዋ ጥዕናዊ ሓደጋታት ንምክልኻል ኣበርቲዕም ካብ ዝሰርሑ ብመፅሄት ታይም ካብ ዝተሓረዩ 100 ሰብ ሞያ ጥዕና ዓለምና ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዑ ኮይኖም ኣለዉ።
